Sunday, February 26, 2012

ይኣክል ናብራ ማህጸን!!!!!!!!!ይኣክል!!!!!

ይኣክል ናብራ ማህጸን!!!!!!!!!ይኣክል!!!!!
© Tesfamichael W. Tewelde

ሓደ ሰብ ናብዛ ንነብራላ ዓላም ዝመጽእ፡ ዝኾነ ምርጫ ስለ ዝውሃቦ ኣይኮነን። ሓደ ካብ መስተንክራውያን መስርሓት ተፈጥሮ ስለ ዝኾነ'ዩ ንህላውኡ አብ ገጽ ምድሪ ዝቕበል። ካብ ምእምአር (Conception) ጀሚርካ ክሳብ ሕርሲ (Delivery) ድማ ንዓቕሊ ዝፈታተኑ በዳህቲ ወርሓት ክሓልፍ ጽኑሕ ግዴታ ተፈጥሮ እዩ። ነዚ ስነፍልጠታዊ ዛዕባ ምስ ታሪኽ ኤርትርአውያን ከትኣስአስሮ ካብ ዝቐሰቡኒ ገለ ውሑዳትን ቀንድን ምኽንያታት ክዕዘብ ስለ ዝጸናሕኩ እየ። ንሱ ድም ናጽላታት ቆልዑ ካብ መሪር ናብራ ማህጸ፡ ንሕና ኤርትራውያን ክኣ ካብ መወዳእታ ኣልቦ ሰንሰለታዊ ናብራ ባርነትን መግዛእትን ንምውጻእ ክንሓልፎ ዝጸናሕና ቓንዛ ተመሳሳልነት ስለ ዘለዎ እየ። ልክዕ ከም ተኽእሎ ሞት ናጽላ ኣብ ግዜ ሕርሲ (Infant mortality)፡ አብ ምዕራባውን ደቡባውን ዶባት ኤርትራ፡ አብ አሰቀቕቲ አብያተ ማእሰርትታት ስርዓት ህግደፍ፡ አብ ምድረበዳታት ስሃራን ሲናይን፡ አብ ባሕሪ መዲተራንያንን አብ ዝኣተዉወን ሃብታማት ዓድታትን ክሞቱ ዝጸንሑን ዘለዉን ምንእስእያትና'ውን ካብቲ ካልእ ዘመሳስሎም ፍጻሜ እዩ።

መብዛሕትአን ሃአገራት አፍሪቃ፡ ንኤርትራ ሓዊስካ፡ አብ ምሕንጸጽ ዶባተን ዝተጻወትኦ ዝኾነ ተራ አይነበረን። አብ በርሊን (ጀርመን) ብዝተኻየደ ዋዕላ ምጉዝዛይ አፍሪቃ (Scramble of Africa - Berlin Conference of 1884-85) እየን ተኸሲተን። ሃገረ ኤርትራ ድማ ካብ ድሕሪ'ዚ እዋን ጀሚራ አብ ማህጸን ኢጣልያዊት አደ በዚ ሒዛቶ ዘላ ቕርጺ ክትቀውም ክኢላ። ድሒሩ ድማ ምስኪን ናጽላ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ማህጸን እንግሊዛዊትን ኢትዮጵያዊትን አደ እዩ ንምረት ተሰጋጊሩ። ድሕሪ ናይ 90 ዓመታት መስርሕ ጥንሲ ግን፡ ዝተተስፈዎ መስርሕ ሕርሲ ከይሰመረሉ፡ ናብ ዘዳህለለቶ ህግደፋዊት ማህጸን እዩ ከይተረድኦ ናብ ምውጽኡ አሸጊሩዎ ዘሎ ታኸላ ማህጸን ተሸሚሙ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ አብ ማህጸንን መስርሕ ምውጻእ ካብ ማህጸንን፡ ህይወት ብዙሓት የሕዋትና ክሃልቕ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። ኩልና ድማ ሕፍረት ክስምዓና ይግብኦ። አብ'ዚ ዝርአ ዘሎ ዘሕፍር ታሪኻዊ ፍጻሜ፡ ቀዳማይን ቀንድን ተሓታቲ፡ እቲ ዓሻ ደንቆሮን አርሒቑ ክጥምት ዘይተዓደለን ውልቀ መላኺ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ደቀ-መዛሙርቱ'ውን ካብኡ ብዝእይሰንፍ ዋጋ ክሕተቱ እዮም። ድሒርና ንሕተት ድማ፡ ንውልቃዊ ረብሓታትናን ጽበት ኣትሓሳስባናን ክነሰንፍ ብዘይምኽኣልና፡ ነዚ ደስኪሉ ዘሎ ስርዓት ብጥርናፈ ክንብድህ ዘይክኣልና ዘለና ግዱሳት ኤርትራውያን ኢና። እታ ንምነያ ሃገር ንምውናንን ብታሪኽ ንዘይምሕታትናን ድማ ምስ'ቲ ውሽጣዊ ሰብና ንዘራረብ እሞ፡ ሃቐናና አጽፊፍና ክነበርክቶ ንኽእል ንሕስብ። ብሕብረት ኮይንና ይኣክል ናብራ ማህጸን ንበል። ጽሑፈይ አዝየ ብዝፈትዋ ሓረግ "ምዓር ገዲፉ ምዓር ዘናዲ የልቦን" ትብል አብ'ታ ብካቶሊካዊን ቤተክርስትያን "እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር የፍቅራ እዩ" ኣብ ትብል መጽሓፍ ብዝእንበብኩዋ ጽሕፍቲ ክዛዝም። ምኽንያቱ ዓዲ ሰላም፡ ዓዲ ፍትሒ፡ ዓዲ ስራሕ፡ ዓዲ ዝመስለካ ትዛረበላን ዝደለኻዮ እምነት ትኽተለላን እንተሃልያትና ፡ ናብ ሃገር ዝምለስ እምበር ንዲሞክራሲ አብ ካልእ ቦታ ኮይኑ ዘናዲ ዜጋ አይክህልወናን እዩ።

ይኣክል ናብራ ማህጸን!!!!!!!!!ይኣክል!!!!!
© Tesfamichael W. Tewelde